ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2017 ክሳብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ልዕሊ 99 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ንስድራ ስውኣት ከምዝኸፈለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ብዘይካ’ቲ ብመንግስቲ ዝተኸፍለ ደበስ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ከከም ዓቕሞም ስድራ ስውኣት ንምእላይ ዝወስድዎ ተበግሶታት ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓላይን ይስሓቕ ተወልደመድህንን፡ ነፍሲ-ወከፈን ን12 ስድራ ስዉኣት ይሕግዛ ከምዘለዋ፡ ኣንስቲ ስዉኣትን ደቂ ስዉኣትን ነብሶም ዝኽእሉሉ ባይታ ንምፍጣር ድማ ሞያዊ ስልጠናታት ከምዝወሃብ ኣብሪሁ።

ብስም ስድራ-ቤት ተኸስተ ሃይለ ሰለስተ ስድራ ስዉኣት ትኣሊ ዘላ ወይዘሮ ደሃብ ገብረመስቀል፡ ምድጋፍ ስድራ ስዉኣት ምስ ሞያ ስዉኣት ብፍጹም ዘይዳረግ’ኳ እንተኾነ፡ ንወለዲ ሰማእታት ኣብ ጎድንኹም ኣለና ምባል፡ ንስዉኣት እንህቦ ክብሪ ከም ዘጒልሕ ገሊጻ።

ብመስዋእቲ ደቀን ኣብ ሃገረን ቀሲነን ይነብራ ከምዘለዋ ዝገለጻ ወይዘሮ ለምለም ሰጊድ ድማ፡ ሓገዝ ንዝገብሩለን ዘለዉ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ምስጋና ኣቕሪበን።

ርእሰ መምህር ቤት-ትምህርቲ ይስሓቕ ተወልደመድህን መምህር ከሰተ ምስግና፡ ተመሃሮ ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ ካብ 2015 ጀሚሮም ዓመታዊ ን12 ስድራቤታት ስዉኣት ከምዝሕግዙ ብምሕባር፡ ናይ ዝሰጋገር ዘሎ ሃገራዊ ክብርታት መርኣያ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ሕውነት ካፒቶል፡ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ ምስ ስድራ-ሰማእታት ብምውዓል ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮምን ኣተባቢዖምዎምን።

Categories