ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ፡ “ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ፡ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ትማሊ ቀዳም 23 ሰነ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ቤት-ምኽሪ ንግዲ፡ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መሻርኽቲ ኣካላትን ኣባላት ማሕበርን ዝተረኽቡሉ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ንበዓል-መዚ መጓዓዝያ ምድሪ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ኣቶ ፋኑኤል ጸጋይ፡ ምርግጋጽ ድሕነቱ ዝሓለወን ስሉጥን መጓዓዝያ ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዘለዎን በዓል-መዚ መጓዓዝያ ምድሪ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2005 ኣብ ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ዘተኰረ ፈላሚ ሃገራዊ ዋዕላ ከምዘካየደን ብምጥቃስ፡ ተልእኾ ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ሕብረተሰብ ብምዕባይ፡ ሓደጋታት ንምንካይ ጻዕሪ ምክያድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ጉባኤ፡ በዓል-መዚ መጓዓዝያ ምድሪ፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ፖሊስ ኤርትራን፡ ኣብ ኩነታት ጽርግያ፡ ተሽከርከርትን ሓደጋታትን ዘተኰረ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ኣስታት 1.3 ሚልዮን፡ መዓልታዊ ድማ 3,287 ህይወት ሰብ ዝቐዝፍ ሓደጋታት ትራፊክ፡ ምስ’ቶም ዓሰርተ ቀንዲ ጠንቅታት ሞት ክስራዕ እንከሎ፡ መበል ታሽዓይ ተርታ ከምዝሕዝ፡ ኣብ ንብረት ድማ ልዕሊ 500 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክሳራ ከምዘስዕብ፡ ኣብ’ቲ ጸብጻባት ተገሊጹ።

ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ ኣብ’ዚ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ንንጥፈታቱ ንዝመርሐት ኣካያዲት ኣካል ንምትካእ ምርጫ ከካይድ መደብ’ኳ እንተነበሮ፡ ጉባኤኛታት፡ እታ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐት ኣካል ክትቅጽል ብዓብላሊ ድምጺ ስለዝሓተቱ ግን፡ ሓድሽ ምርጫ ኣይተኻየደን።

ኣብ መወዳእታ፡ ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ንኹሉ ዝምልከት ከም ምዃኑ መጠን፡ ዜጋታት ሕግታት ትራፊክ ከኽብሩ፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ መካይን ጥዕና መካይኖም ክከታተሉን ሸለልትነት ከወግዱን ለበዋ ቀሪቡ።

ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ፡ ኣብ 2008 ዝተመስረተ ነጻ ማሕበር ኰይኑ፡ ብሃገር ደረጃ ብዙሓት መሻርኽቲ ኣለውዎ።

Categories