ኣባል ማእከል ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ዞባ ዓንሰባ ገዲም ተጋዳላይ መጀር ተኽለ ፍስሃየ፡ ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ብ21 ሰነ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 1974 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ፡ ኣብ 1983 ድማ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ መጀር ተኽለ ፍስሃየ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ካልኦት ኣሃዱታት ውድብን ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ መጀር ተኽለ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ውላድን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 22 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ማእከል ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ፡ ብመስዋእቲ መጀር ተኽለ ፍስሃየ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories