መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ – 20 ሰነ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ብልዑል ሓበን ተዘኪራ።

ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቚጸር ህዝብን፡ ካብ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ብባንድ ምረሻን ዕንባባታት ዝሓዙ መንእሰያትን ተመሪሖም፡ ካብ ሓወልቲ ሽዳ ክሳብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣካዪዶም።

ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊልጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤልን ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን፡ ኣኽሊል ዕንባባታት ኣንቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት፡ ንሃገራዊ ሓርነትን ጸወን ልኡላውነትን ብጅግንነት ንዝተሰውኡ ሰማእታት ብኽብሪ ንምዝካር፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ንዝቐነየ፡ ምብራህ ጥዋፍ፡ ምትካል ኣግራብ፡ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት ዘጠቓልል መሰናድኦታት ድሕሪ ምምስጋን፡ ዓመተ-2018 ብፍሉይ ምስ ዝሓለፈ ፈላሚ ዓመት ካልኣይ ርብዒ ዘመን ናጽነትና፡ መዋእል መቐይሮ ወይ ምስግጋር ዝረኣየለን ዘሎ ዓመታት ብምዃነን፡ ንናይ ሎሚ ዕለተ-ሰማእታት ፍሉይ መኣዛ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ንምዕዋት፡ ኤርትራ ብንጥፈት እትጸምደሉ ቀዳምነት’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ንግዳማዊ ዓለማዊ ኣጀንዳታት ከገልግል ተባሂሉ ብዝተሓርየ ፖሊሲታት፡ ናይ ክልተ ወለዶታት ዕድላት ከምዝኸሰረ፡ ብደግሲ ዝምቡዕ ዓለማዊ ፖሊሲታት ዝወረደ ዕንወት፡ ዝተኸስረ ዕድልን ዝተኸፍለ መስዋእትን ድማ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብምንጻር፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ብፍላይ ዝተቐልቀለ ተርእዮታት፡ ግቡእ ኣቓልቦ ዝሓትት ምዕባለ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ “ከም ናይ ኤርትራ ተመሳሳሊ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሌት ንስኒት ምስ ኤርትራ፡ ሓድሽ ምህዞ ኣይኰነን።” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ክስደድ ዝጸንሐ እወታዊ ምልክታት፡ መግለጺ ህዝባዊ ሕርያ ምዃኑ ኣረዲኡ። “ተመላላእነት ናይ ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ክልተኣዊ ሓባራዊ ረብሓታቶምን ዕብየቶምን፡ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ዝደኸምናሉን ዝተሰዋእናሉን ብጹእ ዕላማ ስለዝኾነ፡ ብንጥፈት እንጸምደሉ ቀዳምነት’ዩ” ክብል ድማ ኣገንዚቡ። (ምሉእ ትሕዝቶ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ገጽ 3 ረአ)

እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ንቅያን ታሪኽን ሰማእታትናን መብጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ንትግባረ ሕድሮምን ብዘንጸባርቕ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

Categories