ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢጣልያን ኦስትርያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘካየድዎ ዝኽሪ ሓበን፡ ሕድሪ ሰማእታት ብዓጸፋ ስራሕ ንምትግባር መብጸዓኦም ኣሐዲሶም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ፊላደልፊያን ከባቢኣን፡ ንሰማእታቶም ዘለዎም ክብሪ ብጉዕዞ እግሪን ምውላዕ ሽምዓን ብምግላጽ፡ በቲ ኣጋጣሚ ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 6,600 ዶላር ከወፍዩ እንከለዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ተመሳሳሊ መዓላ ዝውዕል 18 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም።

ብተመሳሳሊ፡ ተቐማጦ ከተማ ቺካጎን ከባቢኣን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ን30 ስድራ ስዉኣት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ክወስዱ እንከለው፡ ካብ 2004 ኣብ መዓላ ስድራ ስዉኣት ዝውዕል ኣስታት 220 ሽሕ ዶላር ከምዘበርከቱ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማታት ዊኒፔግ፡ ኤድመንተን፡ ሳስካቱን፡ ኪችነርን ጋልፍን – ካናዳ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ንደቆም ትርጒም መስዋእትነትን ዋጋ ናጽነትን ብዘረድእ መሰናድኦታት፡ ንሰማእታቶም ብልዑል ሓበን ዘኪሮም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ዱባይን ሰሜን ኢማራትን’ውን፡ ሽምዓ ብምውላዕ ሰማእታቶም ብምዝካር፡ ሕድሪ ሰማእታት ዝኾነት ብልጽግትን ሓድነታን ልኡላውነታን ዝዓቀበትን ኤርትራ ንምህናጽ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ጅዳ – ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዝኽሪ ድማ፡ ሓላፊ ቈንስላዊ ጉዳያት ኣቶ ሳልሕ ማሕሙድ ሳበ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ’ዚ ዓመት ን91 ስድራ ስዉኣት ኣብ ምንባይ ዝውዕል ኣስታት 244 ሽሕ ሪያል ከምእተበርከተ፡ ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመታት 597 ተቐማጦ ጅዳ ሓላፍነት ምእላይ 1,158 ስድራ ስዉኣት ከምዝወሰዱ ገሊጹ።

ኣብ 15 ከተማታት ኢጣልያ ዝነብሩ ዜጋታት፡ “ሕድሪ ዘጽንዕ ዝኽሪ” ብዝብል ቴማ፡ ጥዋፍ ብምብራህ፡ ከምኡ’ውን ንውዕሎ ጀጋኑን ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ዝገልጽ መሰናድኦታት ብምድላው ሰማእታቶም ዘኪሮም።

ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ግርማይ ሃብተሚካኤል፡ ሰማእታት ብዘይትትካእ ሂወቶም ፍቕሮም ንህዝቦም ዝገለጹ ጀጋኑ ምዃኖም ጠቒሱ ንዝገደፍዎም ስድራ ምሕብሓብን ምንባይን ዋላ’ኳ ምስ ውዕለቶም ዝዳረግ ኣይኹን፡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ስለዝፈጥር፡ እቲ ተግባር ብዝሓየለ ውዳበታት ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኦስትርያ ኣብ ከተማ ቬና ብምትእኽኻብ፡ ንስለ ራህዋ፡ ሰላም፡ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ንዝሓለፉ ሰማእታት ምዝካር ልዕሊ ኩሉ ከምዝሰርዕዎ ጠቒሶም፡ ብሰማእታቶም ዝስመዖም ሓበን ገሊጾም።

Categories