ብኣጋጣሚ 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ 1975ን 1976ን ኣብ ሕርጊጎ ብኣረሜናዊ ግፍዒታት መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ ንዝተቐትሉ ልዕሊ 350 ዜጋታት ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ትማሊ 19 ሰነ ዝተኻየደን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝተሳተፎን መደብ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወ/ሮ ዘይነብ ዑመር ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ዕላማ፡ ነቲ ቅድሚ 42 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ብሓበን እናዘከርና፡ ሕድሮም ብዕዮ ብምትግባር ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ ቃልና ንምሕዳስ ከምዝኾነ ገሊጻ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንዝነበሮም ዕዙዝ ተራ ብምጥቃስ፡ እቲ “ኤርትራ መሬታ እምበር ሰባ ኣየድልየናን” ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ገዛእቲ ዝነቐለ ኣረሜናዊ ግፍዒታት፡ ነቲ ህዝቢ ዝያዳ ከምዘሐረኖን ቃልሱ ንናጽነት ብዝለዓለ ክቕጽል ጽንዓት ከምዝደረቦን ሓቢሩ።

ወኪል ተወለድቲ ሕርጊጎ ኣቶ ሓሰን ሰዓድ ድማ፡ ኣብ ሕርጊጎ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝተኻየደ ጃምላዊ ህልቂት፡ ኣካልን መቐጸልታን ናይ’ቲ ምስ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዕታት መግዛእታዊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ “እዚ ግፍዕታት’ዚ ብኣንጻር’ቲ ዕላማኡ፡ ንህዝቢ መሊሱ ኣብ ቃልሱ ከምዝጸንዕን ሰውራኡ ከምዘሰስንን’ዩ ገይርዎ” ክብል ገሊጹ።

እቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ዝተሳተፎ መደብ፡ ምንባር ኣኽሊል ዕንባባን ምትካል ገረብን፡ ከምኡ’ውን ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ዘጠቓለለ ነይሩ።

ነበርቲ ሕርጊጎ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ በቲ ዝተፈጸመ ግፍዒታት ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታት – ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓትን መኸተን ይሳተፉ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ እዚ ናይ ጽንዓት መንፈስ’ዚ ናብ ወለዶታት ክሰጋገር ዝግባኦ ፍሉይ ሕላገት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ገሊጾም።

Categories