ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ንምፍጻምን ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምክትታልን ሎሚ ዓመት ንሳዋ ንዝወርዱ ተመሃሮ፡ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቶ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳዋ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርቲ እትፈጥሮ ምቹእን ሓባራውን ባይታ፡ ሃገራውነትን ናይ ውህደት ኣተሓሳስባን እትዂስኲስ’ውን ስለዝኾነት፡ መሰጋገሪት መድረኽ ናብ ምሉእነትን ሓላፍነታዊ ኣረኣእያን ከምዝኾነት ገሊጹ።

ሳዋ ብዝግበረላ ዘሎ ቀጻሊ ወፍሪ፡ መንእሰያት ብኣካል ዝድልድሉላን ብስነ-ልቦናን ትምህርትን ዝበስሉላን ማእከል ኮይና’ላ” ዝበለ ኣቶ ግርማይ፡ ኣብኡ ንዘሎ ፍሉይነታት ከስተማቕሩን ምስ ካብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ሃገርና ዝመጹ መንእሰያት ሓድነታዊ ዝምድናታት ክፈጥሩን ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

እቶም ተመሃሮ ብወገኖም፡ ዝተዋህቦም ኣስተምህሮ ንዝጸንሖም ርድኢት ዘስፍሕን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምድላዋቶም ዘሐይልን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ዕድላት ንምምዝማዝ ብንቕሓት ከምዝነጥፉ ገሊጾም።

Categories