ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ንምሕላፍ – ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝመጹ ዜጋታት ቁጽሪ፡ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።

እቶም ካብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ዓዲ- ጥልያን፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራትን ምስ ደቆም ዝመጹ ዜጋታት፡ ኣብ ናይ ልምዓት ቦታታትን ታሪኻዊ ስፍራታትን ዑደት ብምግባር፡ ንገስጋስ መደባት ልምዓትን ህንጸትን ብኣካል ብምዕዛቦም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብ ትካል መፍረ ፕላስቲክ ባጽዕ፡ ናጻ ዞባ፡ ዲጋ ጋሕቴላይ፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ፡ ትካል ሰፍነግ፡ ፋብሪካ ቸሜንቶ፡ ወደብ፡ ኮለጅ ስነ- ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን፡ ቤተ- መዘከር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ካልእ ቦታታትን ድሕሪ ምብጻሕ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ምዕዋት ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት እጃሞም ንምዕዛዝ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

“ብውሱን ጸጋታት – ብሓያል ውህደት መንግስትን ህዝብን ዝትግበር ዘሎ ዳግመ-ህንጻዊ ንጥፈታት፡ ዘሐብን’ዩ” ዝበሉ እቶም ዑደተኛታት፡ ምርኣይ ምእማን ስለዝኾነ፡ ካብ ትዕዝብቶም ትስፉው መጻኢ ኤርትራ ከም እተራእዮም ኣረዲኦም። ናብ ሃገሮም ዝበጽሑ ዜጋታት ተመሳሳሊ ዑደት ብምውዳብ፡ ምስ ሃገሮምን ጸጋታታን ክላለዩ ድማ ተላብዮም።

ኣብ’ተን ዝበጽሕወን ትካላት ብክኢላታት ዝተዋህቦም መብርሂ፡ ንሓያል ናይ ምግባር ድሌትን ዓቕሚን ህዝብን መንግስትን ዘነጽር ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ከተማታትን ሓቀኛ ምስሊ ሃገሮምን ገስጋስ መደባት ህንጸትን ንምንጽብራቕ ከምዝነጥፉ ኣረጋጊጾም።

Categories