ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ብዓውድታት ምህንድስና ባሕሪ፡ ሃብቲ ዓሳን ባዮ-ቴክኖሎጂን ዘምሃሮም 26 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 94 ተመሃሮ፡ ቅድሚ ትማሊ 8 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ንመበል 11 ግዜ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ጸጋታት ባሕሪና ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ዓቢ ኣቓልቦ ተዋሂቡ ኣብ ዝስራሓሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ወፍሪ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ ዘሰላስሎ ዘሎ ንጥፈታትን ናይ’ዚ መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ዲን ናይ’ቲ ኮለጅ ዶክተር ዘከርያ ዓብደልከሪም ድማ፡ እቲ ኮለጅ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 230 ተመሃሮ ብዲግሪ ልዕሊ 130 ድማ ብዲፕሎማ ከምህር ከምዝሓገየ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ 50 ሚእታዊት በጺሑ ምህላዉ ብምብራህ፡ ዓይነትን ደረጃን ትምህርቲ ንምምሕያሽ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዶክተር ዘከርያ ኣስዒቡ፡ ተመሃሮኣብ ኮለጅ ቀሲሞምዎ ንዘለዉ ፍልጠት ከም መበገሲ ተጠቒሞም፡ ብግብራዊ ስራሕ ከዕምቝዎን ተወሳኺ ሞያ ክድልቡን ጻዕሪ ክገብሩ ብምልባው፡ ኣብ ስርሖም ትጉሃትን ኣብነታውያንን ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።

ወኪል ተመረቕቲ ድማ፡ ዕለተ መመረቕታ – ድምር ውጽኢትን መርኣያን ናይ’ቲ መንግስቲ ኣብ ጽላት ትምህርትን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዝገብሮ ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኣብ ዝተመደብዎ ቦታን በብዝቐሰምዎ ሞያን ብተወፋይነት ክሰርሑ ረዚን ሓላፍነት እተሰክሞም ዕለት ምዃናን፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓት እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት ምህላዎን ኣረጋጊጻ።

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 1500 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ሞያታት ከምዘመረቐ ሰነዳቱ የመልክቱ።

Categories