ኣብ ዞባ ጋሽባርካ – ንኡስ ዞባ ሰልዓ ዝወሃብ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንምምዕባል ይስራሕ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ዘመንፈስ ገብረልዑል ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ክልተ መደበራትን ሓንቲ ማእከልን ጥዕና ከምዘለዋ ዝገለጸ ነርስ ዘመንፈስ፡ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ተጠቃምነት ትካላት ጥዕና ንምዕባይን ብዝሰላሰል ዘሎ ዕዮ፡ ድሮ ምምሕያሻት ከምእተራእየ ገሊጹ።

ኣብ ትካል ጥዕና ናይ ዝሓርሳ ነፍሰ-ጾራት ቊጽሪ ብተዓጻጻፊ ምውሳኹ፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ብ50 ሚእታዊት ምንቊልቋሉ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ዝዓቢ ዘሎ ንቕሓትን ዝምዝገብ ዘሎ ናይ ባህሪ ለውጢን ምዃኑ ዝጠቐሰ ነርስ ዘመንፈስ፡ ሸፈነ ክታበት ናብ ኩለን ዓድታት ንምብጻሕ፡ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ብምቛም ኣድማዒ ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ተገልገልቲ፡ ሳላ’ቲ ኣብ ከባቢኦም ዝተዋደደ ትካላት፡ ጥዕናኦም ከምእተዋሕሰ ብምጥቃስ፡ ንዝበለጸ ኣገልግሎት ናይ ምጥርናፍ መደባት ብሰፊሑ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሮም።

Categories