20 ግንቦት 2010 ዓ.ም.ግ. (29/05/2018 ዓ. ም.ፈ) ኣብ ክብረ-በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ደብረሲና ንምስታፍን በረከት ንምክፋልን፡ ካብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተበገሱ ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳፈርዋ ኣውቶቡስ ብዘጋጠማ ሐደጋ፡ ናይ ድንገተ-ሞትን መጉዳእትን ከምዘጋጠመ ይፍለጥ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘጋጠመ ፍጻሜ ዓሚቚ ሐዘን ከምእተሰመዖ እናገለጸ፡ ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ “ከም ዝሞትና ንመስል ግናኸ ሕያዋን ኢና” ዝበሎ፡ ብኣካል ሰጋ እኳ እንተተፈልዩና ብኣጸደ-ነፍስ ሕያዋን እዮም እሞ፡ ዕረፍተ-ነፍሲ ኪህቦም ንስድራ ቤቶም መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኪልእከሎም ንጽሊ።

Categories