ንንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ – ዞባ ዓንሰባን ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ – ዞባ ጋሽ ባርካን ዘራኽብ ብ‘ክሳድ ወዲ ዓይራይ’ ዝፍለጥ 6 ኪሎ- ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ብውሁድ ዓቕሚታት ነበርቲ ተሰሪሑ ንኣገልግሎት ድሉው ኮይኑ።

እቲ ስራሕ ከቢድ’ኳ እንተነበረ፡ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ኣወሃሂዶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘጋጥሞም ዝነበረ ማሕበራውን ቊጠባውን ሽግራት መሰረታዊ ፍታሕ ከምዝረኸበ፡ ነበርቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊጾም።

ኣቐዲሞም፡ ናብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንምኻድ ንዞባ ማእከልን ዓንሰባን ረጊጾም ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ይበጽሑ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ምኽፋት ‘ክሳድ ወድ ዓይራይ’ ካብ ኰለልን ዘይተደልየ ሃልኪን ዘገላግል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባታት ዓንሰባን ጋሽ ባርካን እውን በሪ ምዕባለ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣቦ-መንበር ኮሚተ ልምዓት ጽርግያ ‘ክሳድ ወድ ዓይራይ’ ኣቶ ዓንደጼን ግርማጼን፡ እቲ መደብ ንልዕሊ 10 ዓመት ብነበርቲ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ምዃኑ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዝተጀመረ መስርሕ ህንጸቱ፡ ብዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢን ደገፍ ማሽነሪን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ድሉው ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተኸስተ ኣስገዶም ብወገኑ፡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ውሕስነትን ብቕዓትን ናይ’ቲ ጽርግያ ንምርግጋጽ፡ መሃንድሳት ብምስዳድ ምክትታል ከምዝገበረሉ ብምሕባር፡ ኣብ መጻኢ ብመንግስቲ ዝትግበር ህንጻውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ንምስልሳል፡ ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ኣብ’ቲ መስመር ክዋፈር ምዃኑ ገሊጹ።

ህዝቢ ሎጎ-ዓንሰባ ማሕበራውን ቊጠባውን መነባብሮኡ ምስ ዞባታት ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ፡ ምኽፋት ጽርግያ ‘ክሳድ ወድ ዓይራይ’ ንእዋናዊ ሕቶ ህዝቢ ንኡሳን ዞባታት ዒላበርዕድን ሎጎ-ዓንሰባን ዝምልስ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories