ኣብ ንኡስ ዞባታት እምኒ-ሓይሊ፡ ሓጋዝን ሎጎ-ዓንሰባን ዝተሰላሰለ ኮም ዝመርሖ ንጥፈታት ከባቢያዊ ጽሬት፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣብሪሁ።

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ንጽህና ኣከባቢ ብምውሓስ ብጉድለት ጽሬት ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምግታእ፡ ብደረጃ ዓድታት ሰፊሕ ጎስጓሳትን ግብራዊ ስጉምትታትን ክውሰድ ከምዝጸንሐ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምዝነከየ፡ ሞያውያን ጥዕና ሓቢሮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ምስ ነበርቲ ዓድታት ጉልድሚት፡ ደምበ ዓዲ-ጸጋይ፡ ደምበ ዓዲ-ተስፉን ደምበ ዘራጼንን ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ከባብያዊ ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገብረኪዳን፡ እተን ዓድታት ንዘሰላስልኦ ኮም ዝመርሖ ንጥፈታት ከባብያዊ ጽሬት ብምምጓስ፡ ካልኦት ዓድታት ኣሰረን ንኽስዕባ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተኻየደ ወፈራታት ጽሬት፡ ኣብ ምውሓስ ከባቢያዊ ጽሬት ብሓፈሻ፡ ምግታእ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ድማ ብፍላይ ልዑል ተራ ከምዝነበሮ ተገሊጹ።

Categories