ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ጀምሂለ – ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ተዋዲዱሎም ዘሎ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ መነባብሮኦም ርግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ንምምዕባሉ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእን ብቐረባ ይረኽቡ ከምዘለዉ፡ በብእዋኑ ብዝካየደሎም ጎስጓሳትን ዝወሃቦም ኣስተምህሮታትን ድማ ንቕሓቶም ኣብ ጥቕምን ኣገዳስነትን ትምህርትን ዘመናዊ ሕክምናን እናዓበየ ስለዝመጽአ፡ ኣብ መነባብሮኦም ናይ ባህሪ ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቀጻልነት ናይ’ቲ ተዋዲዱሎም ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምውሓስ፡ ነቲ ምዕራይ ዘድልዮ ትካላት ብንዋቶምን ጉልበቶምን ናይ ምጽጋን ስራሓት ከምዘካይዱ ብምግላጽ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ንዝኾነ ግን ዝምልከቶ ኣካል ቈላሕታ ክገብረሉ ተላብዮም።

ንዓድታት ዳስቆ፡ መሊልን ጀምሂለን ዝጥርንፍ ምምሕዳር ከባቢ ጀምሂለ፡ መነባብሮአን ብምግፋፍ ዓሳን ንኡስ ንግዲን ዝመርሓ ኣስታት 100 ስድራ- ቤታት ይነብርኦ።

Categories