ሃብቲ ገረብ ንምዕቃብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንምዕዋት ብዝተኣታተወ ምስራሕ መጎጎ ኣድሓነት፡ ዛጊት ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 160 ሽሕ ስድራ-ቤታት ተጠቀምቲ ክኾና በቒዐን ኣለዋ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊት ኣሃዱ ዕብየት ናብራ ወይዘሮ መብራት ኣብርሃ ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መጎጎ ኣድሓነት፡ ከምኡ’ውን ዝተመሓየሻ ፎርኖን ምድጃን ምጥቃም፡ ኣብ ዕቃበ ኣግራብን ካልእ ባህርያዊ ነገራትን፡ ከምኡ’ውን ምቚጣብ ግዜን ጉልበትን ብቐሊል ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ጠቒሳ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደታት’ውን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ገሊጻ።

ዝርግሐ መጎጎ ኣድሓነት፡ ዝያዳ ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢታት ዘተኰረ ምዃኑ ዝሓበረት ወይዘሮ መብራት፡ ተጠቃምነትን ጽገናን ናይ’ታ መጎጎ ዝቐለለ ምእንቲ ክኸውን፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ስልጠናን መሰረታዊ ናውትን ከምዝህብ ብምግላጽ፡ ምትካል መጎጎ ኣድሓነት ኣብ ገጠራት ዞባ ማእከል 95 ሚእታዊት በጺሑ ከምዘሎ፡ ኣብ ካልእ ዞባታት ድማ ይስራሓሉ ምህላዉ ኣብሪሃ።

እዚ ከም’ዚ እንከሎ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ፡ ኩቦን ካልእ ቀሸምን ዝወስድ ብጭቃ ዝተሰርሐ ፎርኖን ምድጃን ንኣገልግሎት በቒዑ።

ነዚ ፎርኖን ምድጃን ዘማዕበለ መሃንድስ ሰመረ ወልደኣምላኽ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብና ንባህርያዊ ነገራት ከም ምንጪ ጸዓት ስለዝጥቀመሎምን ካብኡ ከም ዝተበገሰን ብምጥቃስ፡ ብሰፊሑ ንምዝርግሑ መደብ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

እቶም ክኢላታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ህዝቢ ረብሓ መጎጎ ኣድሓነትን ብጭቃ ዝተሰርሐ ፎርኖን ምድጃን ተረዲኡ፡ ብግቡእ ክጥቀመሉ፡ ዛጊት ዘየተኣታተወ ድማ ተጠቃሚ ክኸውን ተላብዮም።

Categories