ነብርቲ ሽላሎ – ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽ፡ ኣብ ምጽጋን ጽርግያታት፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ካልእ ልምዓታዊ ንጥፈታት ዘተኰረ ኣድማዒ ማእቶታዊ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም።

በቲ ወፈራታት፡ ካብ ሽላሎ ናብ ዲጋ መገል ዝወስድ 3.5 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ ከምዝጸገኑን መከላኸሊ መንደቕ ከምዝሃነጹን፡ ኣብ ከባቢ ዓዶም እትርከብ ራህያ ብኣእማን ከምዝረበቡ፡ ከምኡ’ውን ጽርግያ ሽላሎ – ዓዲ ሃኪን፡ ሽላሎ – ዓዲ ጸጸርን ሽላሎ – ሓበላን ከምዝጸገኑ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ሽላሎ ኣቶ ዑቕባይ ባርያሚካኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣታተወ ፕሮጀክት ቀረብ ማይ ሓዊስካ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፡ ጥዕናን መጓዓዝያን ተዋዲዱሎም ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ዘካይድዎ ማእቶታዊ ንጥፈታት ነዚ ዝድርዕ ምዃኑ ገሊጹ።

ሽላሎ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ህዝቢ ዝቕመጣ፡ ሓንቲ ካብ ዕሙራት ዓድታት ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽ’ያ።

Categories