ምስ ምስፋሕን ምምዕባልን ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ሃገርና፡ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ’ውን ብክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን መሳርሒታትን ጽቡቕ ገስጋስ የመዝግብ ከምዘሎ፡ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ክኢላ ሕክምና ስኒ ዶክተር ወይኒ ኣበድ ገሊጻ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ተዘርጊሑ ከምዘሎ ዝሓበረት ዶክተር ወይኒ፡ ኣብ ዞባ ማእከል 6፡ ኣብ’ተን ካልኦት ዞባታት ድማ ከክልተ ትካላት ሕክምና ስኒ ከምዘለዋ፡ ዝህብኦ ኣገልግሎት ድማ – ምስዳድ፡ ምምላእ፡ ምጽራብን ምስትኽኻልን ከምዘጠቓልል ኣብሪሃ።

ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ፡ ክኢላዊ ዓቕሚ- ሰብ ኣብ ምምላእ ዓቢ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ፡ ዛጊት ዘመረቐቶም 22 መንእሰያት ሞያውያን ድማ፡ ኣብ’ተን ዝተጠቕሳ ትካላት ተመዲቦም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከምዝርከቡ፡ ዶክተር ወይኒ ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ምስ ወጻእተኛታት ሓካይም ተሓባቢርካ ዝወሃብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት’ውን ኣብ ምልውዋጥ ተመኲሮን ምስግጋር ቴክኖሎጂን ብልጫ ከምዘለዎ ዝገለጸት ዶክተር ወይኒ፡ ዛጊት ምስ ኣመሪካውያንን ጀርመናውያንን ክኢላታት ብምትሕግጋዝ ዝተዋህበ ኣገልግሎት፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ኣነጺራ።

ንቕሓት ሕብረተ-ሰብና ኣብ ክንክን ስኒ ክብ ንምባል ዝካየድ ንጥፈታት ገስጋስ የርኢ’ኳ እንተሎ፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ከምዝግባእ ዘዘኻኸረት ዶክተር ወይኒ፡ ብፍላይ ወለዲ፡ ኣስናን ደቆም ካብ ዘበላሹ ባህሊ ኣመጋግባ ክጥንቀቑ፡ ከምኡ’ውን ግቡእ ምክትታልን ምክንኻንን ክገብሩሎም ጸዊዓ።

ኣብ መወዳእታ ዶክተር ወይኒ፡ “ንስኒ የጻዕዱ፡ የጽሪን የትርርን” እናተባህለ ኣብ ዕዳጋ ዝዝርጋሕ ሽኮራዊ ነገራት ብሓፈሻ፡ ማስቲካን ዝመስልዎን ድማ ብፍላይ፡ ኪኖ ምውዕዋዕ ዝሓልፍ ጥቕሚ ከምዘይብሎም ኣነጺራ።

Categories