ኣብ ረብሓታት ምፍራይ ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይ ዘተኰረ፡ ብጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝተወደበ ዓውደ-ዘተ፡ ብ31 ግንቦት ኣብ ከተማ ከረን ተኻዪዱ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ መሬትን ሕርሻን ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ባህታ ቴድሮስ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ መሻርኽቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጥዑም ማይ ዝሰላሰል ዘሎ ምርባሕ ዓሳታት ኣፍልጦ ከምዝህልዎም ንምግባር፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደረጃ ትግባረ በጺሑ ዘሎ ፕሮጀክት “ምሕደራ ጸጋታት ዓሳ” ሓበሬታ ንምሃብን ካብ ተሳተፍቲ ሓገዝቲ ሓሳባት ንምእካብን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡስ ዞባታት ዒላ-በርዕድ፡ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ገለብ፡ ከረን፡ ሓመልማሎ፡ ሓጋዝን ሓልሓልን ምሉእ ዓመት ማይ ክሕዛ ዝኽእላ 18 ዲጋታት ከምዘለዋ፡ ኣብ 12 ካብኣተን ዝፋረዩ ዘለዉ ሰለስተ ዓይነት ዓሳታት ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንምፍራይ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ፡ ፕሮጀክት ምሕደራ ጸጋታት ባሕሪን ፖሊሲ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ዝምልከት ሰለስተ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡ።

ነቲ ወረቓቕቲ ዘቕረቡ ክኢላታት፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዘለዋ ዲጋታትን ዝኸዘናኦ ማይን ብግቡእ ብምምዝማዝ ጠለብ ዓሳ ምሽፋን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበሩ ዓይነታት ዓሳን ውጽኢት ዓሳን ምትእትታው፡ ህዝቢ፡ ስጋ ዓሳ ንኸዘውትር ብዕቱብ ምስራሕ፡ ብቕዓቱን ንጽህናኡን ዝተሓለወ ስጋ ዓሳ ናብ ህዝቢ ምቕራብ፡ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ሰፊሕ መረዳእታ ሂቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዓሳታት ኣብ ዲጋታት ምርባሕ ጥራይ እኹል ስለዘይኮነ፡ ብውህደት ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ሕርሻን ተሓንጺጾም ዘለዉ ዕላማታት ንምውቃዕ፡ ጥቡቕ ክትትል ክግበርን ኣብ መሳርሒ ዘሎ ሕጽረታት ክማላእን ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ ስጋ ዓሳን ኣጠቓቕማኡን ኣብ ህዝቢ ጎስጓሳት ክካየድ፡ ምሕደራ ዲጋታት ክምዕብልን ውህደት ሚኒስትሪታት ሃብቲ ባሕሪን ሕርሻን ክዓዝዝን ዝብሉ ርእቶታት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ዓሳ ንምብራኽ፡ ኣብ ሽዱሽቲአን ዞባታት ካብ 2017 ክሳብ 2023 ዝቕጽል ብ“ፕሮግራም ምሕደራ ጸጋታት ዓሳ” ዝጽዋዕ ፕሮጀክት የሰላስል ከምዘሎ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

Categories