8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፡ “መንእሰይ፡ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 ሓምለ ኣብ ሳዋ ክካየድ ምዃኑ፡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ሓቢሩ።

እዚ ምስ መመረቕታ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተወሃሂዱ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ኣተኲሮኡ ብቐንዱ ኣብ ምህዞን ፈጠራውነትን መንእሰያት፡ ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ኣብ ምውዳብን ምህናጽን መንእሰይ ዝተጻወቶ ተራ፡ ከምኡ’ውን ተራ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ምምጻእ ናጽነት፡ ምውሓስ ልኡላውነትን ምህናጽ ሃገርን ኮይኑ፡ ማእቶታዊ ንጥፈታት፡ ባህላውን ስፖርታውን መደባት፡ ሰሚናራት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ሓባራዊ ዘተ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ንመንእሰያት ማእከል ዝገበሩ መሰናድኦታት ከምዘጠቓልል እቲ ሓበሬታ የነጽር።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝለዓለ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ብሉጻት መንእሰያት ኣፍልጦ ዝህብ ሽልማት “ሶይራ”፡ ኣብ ተበላሓትነትን መሃዝነትን ጸብለልታ ንዘርኣዩ ዝወሃብ ሽልማት “ምህዞን ሰንዓን”፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ናይ 2ይ ደረጃ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ብብቕዓት ንዝዛዘሙ ኤርትራውያን ዝወሃብ ሽልማት “ሳዋ” ክዕደል’ዩ።

ኣብ’ዚ ብምውህሃድ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራን ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝውደብ ሃገራዊ መደብ፡ ሎሚ ዓመት ካብ ውሽጢ ሃገር ብሓፈሻ ልዕሊ 20 ሽሕ ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ 1500 መንእሰያት ክሳተፍዎ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣወሃሃዲ ኮሚተታት 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኣቶ ሮቤል ከበደ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፈስቲቫል፡ ምስ ባህልና፡ ክብርታትናን ታሪኽናን ጥቡቕ ርክብ ከምዝህልወና ዝገብር፡ ከምኡ’ውን ንስነዳን ምውርራስን ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፈስቲቫል መንእሰያት፡ ዝተፈላለየ ድሕረ- ባይታ ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ሓደ ቅርዓት ብምርኻብ፡ ሓድሕድ ተመኲሮታት ንኽለዋወጡ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ብዘይካ’ዚ፡ መንእሰያት ብልዑል ወኒን ተወፋይነትን ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር እወታዊ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ምትብባዕ፡ ኩሉ መዳያዊ ንቕሓት መንእሰያት ምብራኽን ሓይሊ መኸተኦም ምድራዕን፡ እቲ ፈስቲቫል ዘነጻጽረሎም ካልኦት ሸቶታት ምዃኖም ኣስሚሩሉ።

Categories