ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ በጉ፡ ንሂወቶም ርግኣት ዝፈጥርን ዝልውጥን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክዋደደሎም ብምሕታት፡ ኣብ’ቲ ዝካየድ ንጥፈታት ብዓቕሞም ክሳተፉ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጾም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ናብ ከረንን ሓጋዝን ክኸዱ ይግደዱ ምህላዎም፡ እዚ ድማ ኣደዳ ሃልኪ ገንዘብን ጉልበትን ይገብሮም ከምዘሎ ብምሕባር፡ ተሪፍዎም ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክማልኣሎም ኣዘኻኺሮም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ በጉ ኣቶ ነስረዲን ዓሊበኺት፡ መደበር ጥዕና ከምኡ’ውን ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብ ገዓብ፡ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ ኣብ ፍርድግን ኢንክመትሪን ከምዘለዋ፡ እንተኾነ – ዓድታት ዝተረሓሓቓ ስለዝኾና ጸገማት ከምዘሎ፡ እቲ ፍታሕ ካብ ዘይምጥርናፍ ስለዝኾነ ድማ፡ ጉዳይ ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ ተላብዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ሙሳኤል ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ መነባብሮ ተቐማጦ በጉ ርግኣት ዝፈጥሩ ኣገልግሎታት ንምውዳድ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሃሂዱ ዝከኣሎ ከበርክት ምዃኑ ብምሕባር፡ ህዝቢ ረብሓን ኣገዳስነትን ጥርናፈ ተገንዚቡ ኣብ ዝተጸንዐን ዝሓሸን ቦታታት ክጥርነፍ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ካብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ከረን ናብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝተሰጋገረ፡ ኣብ መስመር ከረን – ሓጋዝ ዝርከብ ምምሕዳር ከባቢ በጉ፡ 11 ዓድታት ይጥርንፍ።

Categories