ነበርቲ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብክኢላታት ሕርሻ እናተመርሑ ውሁድ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን የካይዱ ኣለዉ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ በረኸት ተኽለስላሰ፡ እቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ዝሰላሰል ዘሎ ወፈራታት፡ ምዝላይን ምድልዳልን ግራውቲ፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ጽርግያ ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።

ዛጊት ኣስታት 80 ሄክታር ከምዝተዛለየ ዝጠቐሰ ኣቶ በረኸት፡ እቲ ስራሕ ክሳብ ወርሒ ሰነ ክቕጽል ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቲ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕ፡ ምስ ምእታው ክራማት መሬት ንኸይብሕጎግን ዲጋታት ብድበት ንኸይመልእን ሓጋዚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ምኽዕባት ምህርቲ’ውን ብቐሊል ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

 

Categories