ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ብሃማመተኤ ኣብ ዝተወደበ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ሞያዊ ስልጠና ዝተሳተፉ 58 መንእሰያት፡ ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ እቶም መንእሰያት መበገሲ ዝኾኖም ሞያ ቀሲሞም ስለዘለዉ፡ ብስራሕ ከማዕብልዎን ንከባቢኦም ኣርኣያ ለውጢ ክኾኑን መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ኣቶ ሃብተጋብር ገብረመድህን ኣብ ዘስመዖ ቃል ድማ፡ በብእዋኑ ዝውደብ ሞያዊ ስልጠናታት፡ መነባብሮ ናይቶም ብግቡእ ዝተጠቕሙሉ መንእሰያት ኣብ ምቕያር ዝምስገን ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡ ብግዜን ዓይነትን ንምስፍሑ ክስራሕ ጸዊዑ።

ተመረቕቲ ብወገኖም፡ ሞያ ከጥርዩ ንዝተፈጥረሎም ባይታ ብምምስጋን፡ መነባብሮኦም ኣብ ምምሕያሽ ክጥቀሙሉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Categories