ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ጀምሂለ – ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ተሃኒጹሎም ዘሎ መሰረታዊ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ መነባብሮኦም ለውጢ ከምዘምጽአ ብምሕባር፡ ንምምዕባሉ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣገልግሎታት ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእን ብቐረባ ይረኽቡ ከምዘለዉ፡ በብእዋኑ ብዝካየደሎም ጎስጓሳትን ዝወሃቦም ኣስተምህሮታትን ድማ ንቕሓቶም ኣብ ጥቕምን ኣገዳስነትን ትምህርትን ዘበናዊ ሕክምናን እናዓበየ ስለዝመጸ፡ ኣብ መነባብሮኦም ናይ ባህሪ ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቀጻልነት ናይ’ቲ ተዋዲዱሎም ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምውሓስ፡ ነቲ ምዕራይ ዘድልዮ ትካላት ብንዋቶምን ጉልበቶምን ናይ ምጽጋን ስራሓት ከምዘካይዱ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ንዝኾነ ግን ዝምልከቶ ኣካል ቈላሕታ ክገብረሉ ተላብዮም።

ንዓድታት ዳስቆ፡ መሊልን ጀምሂለን ዝጥርንፍ ምምሕዳር ከባቢ ጀምሂለ፡ መነባብሮአን ብምግፋፍ ዓሳን ንኡስ ንግዲን ዝመርሓ ኣስታት 100 ስድራ- ቤታት ይነብራኦ።

Categories