ምዕሩይነት ዝርግሐ ትምህርቲ ብምርግጋጽ፡ ዜጋታት ተጠቀምቲ መሰረታውን ኪኖኡ ዝኸይድን ኣገልግሎት ትምህርቲ ንክዀኑ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ብቕዓት ስርዓተ -ትምህርቲ ዝያዳ ንምሕያል ብኣተኲሮ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር መጽናዕትን ሓበሬታን ኣቶ ሃይሉ ኣስፋሃ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ትምህርቲ መሰረታዊ ረቛሒ ንልምዓት ከምዝኾነ ስለዝኣምን፡ ካብ’ቲ ጽንኩር ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ’ዚ ጽላት’ዚ ክገብሮ ብዝጸንሐ ገዚፍ ወፍሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ዓቢ ዝላ ክምዝገብ ከምዝተኻእለ ኣብሪሁ።

ኣቶ ሃይሉ ወሲኹ፡ ብዝሒ ኣገልግሎት ቅድመ-ትምህርቲ ዝህባ ትካላት ብልዕሊ 700 ሚእታዊት፡ ናይ መባእታ ብ222 ሚእታዊት፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ብ470 ሚእታዊት፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ድማ ብልዕሊ 330 ሚእታዊት ምስሳነን፡ ጒሉሕ መርኣያ ናይ’ዚ ገስጋስ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ትካላት ትምህርቲ ብብዝሒ ምህናጽ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ሃገርና ብሓፈሻ፡ ኣብ’ቲ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተገሊሉ ዝነበረ ቦታታት ድማ ብፍላይ ኣቕርቦት ከምዝህሉ ብምግባር፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዕዛዝ ዝዓለመ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃይሉ፡ ከም ውጽኢቱ ብዝሒ ተሳታፍነት ተመሃሮ ካብ 213 ሽሕ ናብ ልዕሊ 636 ሽሕ ከምዝበረኸ ኣነጺሩ።

ጎኒ-ጎኒ’ዚ ብስሩዕ ዝወሃብ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ከም ዓቢ ሃገራዊ ወፍሪ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸደ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ከምዘሎ ብምጥቃስ ድማ፡ እዚ – መጠን ናይ መሃይምነት ዘጥፍኡ ዜጋታት ሃገርና ናብ ኣስታት 80 ሚእታዊት ክብ ኣብ ምባል ዓቢ ኣስተውጽኦ ከምዝነበሮ ሓቢሩ።

ደረጅኡን ብቕዓቱን ዝሓለወ ኣቕርቦት ትምህርቲ ምርግጋጽ፡ ዓቕሚ መምህራን ብብዝሕን ዓይነትን ምዕባይ፡ ድሩትነት ዝርግሐ ኣገልግሎት ቅድመ- ትምህርቲ ምእላይ፡ ምሕደራ ኣብያተ- ትምህርቲ ምሕያል፡ ደግሲ መሃይምነት ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ብቑዕ ትሕተ- ቕርጺ ብሰፊሑ ከምዝህሉ ምግባር፡ እቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ሃይሉ፡ ነዚኦም መድረኽ ብመድረኽ ንምፍትሖም፡ ሚኒስትሪ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories