ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንኽልተ ኣዋርሕ ብምሕደራ፡ ኣመራርሓን ምስኡ ዝኸይድ ሞያታትን ከሰልጥኖም ዝጸንሐ 107 መንእስያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ብ30 ግንቦት ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ሓይልኣብ ሃብታይ፡ እቲ ሰልጠና ሞያዊ ብቕዓት ሰራሕተኛታት ብምብራኽ፡ ኣፍራይነትን ትግባረ መደባት ስራሕን ንምድንፋዕ ከምኡ’ውን ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ንምርግጋጽ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር መሓመድዓሊ ኢብራሂም ብወገኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ብቕዓቶም ዘዕብዩሉ ስልጠናታት ምውዳብ መሰረታዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ መደባት ከምዝትግበር ሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ እቲ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ሰልጠንትን መጻኢ ሂወቶምን ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ብምምልካት፡ ዝቐሰምዎ ስልጠና ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ በበይኑ እዋናት – በብእብረ ነናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ስልጠና ማእለማ፡ ስፌት ክዳንን ርክያሞን ዝሰልጠና ልዕሊ 550 ደቂ-ኣንስትዮ ተመሪቐን።

ሰልጠንቲ ኣብ ዝሃብኦ ርእይቶ፡ ዝቐሰምኦ ሞያ ኣብ ዕለትታዊ ሂወተን ዓቢ ሓገዝ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ብስራሕ ንምምዕባሉ ዘለወን ቅሩብነት ብምርግጋጽ፡ ባይታ ናይ ስራሕ ክፍጠረለን ተላብየን።

Categories