ነበርቲ መዝረት – ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ብምጥርናፎም ተረባሕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት – ብሕልፊ ኣብ ማይን ትምህርቲን ክኾኑ ምብቅዖም ገሊጾም።

“ረብሓ ምጥርናፍ፡ ምስ ተጠርነፍና’ዩ ተረዲኡና” ዝበሉ’ቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣብ 1999 ኣብ መዝረት ካብ ዝጥርነፉ፡ ርጉእ መነባብሮ ብምምራሕ ኣብ ምምዕባል ከባቢኦም ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ናይ’ታ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ ፈረጅ፡ መዝረት ዕዉት መርኣያ ምጥርናፍ ዓድታት ኣብቲ ከባቢ ምዃና ብምሕባር፡ ቀረብ ማይን ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ዝተዘርግሐ ትካላት ትምህርቲን ተዋዲዱ፡ ከምኡ’ውን ንግዳዊ ትካላት ተኸፊቱ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ትህነጽ ዘላ ዲጋ ድማ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ መነባብሮ ህዝቢ ዝህልዋ ተራ ብቐሊል ከምዘይጥመት ገሊጹ።

ትካል ጥዕና ብዘይምህላዉ ግን፡ ኣስታት 18 ኪሎ-ሜተር ተጓዒዞም ኣብ መደበር ጥዕና ሃበሮ ጻዕዳ ይግልገሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ መሓመድ፡ ኣብ ማእከል ዓዶም ትካል ጥዕና ክትዋደደሎም ተላብዩ።

መዝረት፡ ኣስታት 2,500 ህዝቢ ዝነብራ ሓንቲ ካብ ሸሞንተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ኮይና፡ ካብ ማእከል’ቲ ንኡስ ዞባ ዝኾነት ዓሪታይ 36 ኪሎ ሜተር፡ ካብ ከተማ ከረን ድማ 96 ኪሎ- ሜተር ንሸንኽ ሰሜን ርሒቓ ትርከብ።

Categories