ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ መነባብሮ ስንኩላን፡ ስድራ ስዉኣት፡ ኣለይቲ ስድራ ደቂ- ኣንስትዮ፡ ኣለይቲ ዘኽታማትን በተኻት ስድራ-ቤታትን ንምምሕያሽ ዘሰላስሎ ዘሎ መደባት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ክልተ ዝእግረን 90 ካሮሳታት ዓዲሉ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት’ቲ ሚኒስትሪ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሰሎሞን መሓሪ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ምንጪ ቊጠባዊ እቶት ክኾና ዝተዓደላ ካሮሳታት፡ ኣቐዲሙ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ጸገማቶም ንዝተለለየ፡ 39 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከብኦም ዜጋታት ከምዝተዋህባ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ መሓመድኢብራሂም መሓመድእድሪስ ብወገኑ፡ እቶም ዜጋታት ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ሓሺሻይ፡ ዓዳለት፡ ሓርነት፡ ጎልያ፡ ባዶብ፡ ፋና፡ ዓድ-ፋካይ፡ ሸንጌን፡ ኣወንጀሊ፡ ግላስ፡ እንጭናቅን ኢዳምርን ምዃኖም ብምሕባር፡ ብስራሕ ነብሶም ክኽእሉን ካብ ተጸባይነት ክገላገሉን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ።

ኣቐዲሙ’ውን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ን40 ስድራ-ቤታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ን20 ስድራ-ቤታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ድማ ን16 ስድራ-ቤታት ተመሳሳሊ ናይ ካሮሳታት ደገፍ ከምዝተገብረ ይፍለጥ።

ሓገዝ ዝተገብረሎም ዜጋታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ስለ’ቲ ሓገዝ ብምስጋን፡ ዕላማ ናይ’ቲ መደብ ንምዕዋት ብዝለዓለ ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም።

Categories