ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤች.ኣይ.ቪ./ኤይድስ ድማ ብፍላይ ክብ ብምባሉ፡ ንምቊጽጻሩ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣዕጋቢ ውጽኢት ከም ዝተረኽቦ ተገሊጹ።

ሓላፊት ምቊጽጻር ኤች.ኣይ.ቪ./ ኤይድስ ኣብ’ቲ ዞባ ወይዘሮ ምጽላል ተስፋማርያም፡ ምስ ነበርቲ ከተማ ሓጋዝ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ ክሰላሰል ዝጸንሐ ውሁድ መደባት ናይ ባህሪ ለውጢ ስለዘምጽአ፡ መልከፍቲ ናይ’ቲ ሕማም ናብ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ወሪዱ ምህላዉን እቲ ዕማም ብዝሓየለ ክቕጽል ምዃኑን ኣፍሊጣ።

ብፍኑው ጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ምትሕልላፍ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ምንካይን ምቊጽጻርን፡ ምውጋድ ኣድልዎን ተነጽሎን ግዳያት፡ ከምኡ’ውን ምቊጽጻር ሓድሽ መልከፍቲ፡ ኣብ 2018 ተታሒዞም ካብ ዘለዉ መደባት ምዃኖም ድማ ኣብሪሃ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጅ ዑስማን ብወገና፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ምብራኽ መሰረታዊ ስለዝኾነ፡ ዝድለ ዘሎ ሸቶ ንኽውቃዕ፡ ሞያዊ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺራ።

ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ./ኤይድስ ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ካብ ዝቕልቀል ክሳብ 2016፡ ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 26 ሚልዮን ካብ ሃገራት ሓውሲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝርከብዎም – ኣስታት 37 ሚልዮን ሰባት ከምዝቐዘፈ፡ 6 ሚእታዊት ናይ’ዚ ኣሃዝ ድማ ትሕቲ 15 ዓመት ምዃኑ፡ ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የነጽሩ።

Categories