ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ “ደጀን ህዝባዊ ግንባር” ንዝብል ቴማ ማእከል ዝገበረ፡ ብ13 ንኡሳን ዞባታት ማእከል ዝተዳለወ ካርኒቫል፡ ብ22 ግንቦት ምሸት ኣብ ኣስመራ ንምርኢት ቀሪቡ።

እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ደጀን ንዝነጥፋ ዝነበራ 11 ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝወከለ ምርኢት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ- ስዒድን እዮም መሪቖም ኣበጊሶምዎ።

ነቲ ብባንድ ምረሻ ተሰንዩ ካብ ከባቢ ‘ሽዳ’ ተበጊሱ ብጐደናታት ሓርነትን ሰማእታትን ሓሊፉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተዛዘመ፡ ንክፍልታት ህዝባዊ ምምሕዳር – ቊጠባ፡ ሃገራዊ መርሓ፡ ኣጽዋር፡ ሓለዋ ጥዕና፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ፍትሒ፡ ማሕበራዊ ጉዳይ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ሓለዋ ሰውራ፡ ስለያን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ሃንደሳን ንጥፈታት ሓፋሽ ውድባትን ዘጠቓለለ ምርኢት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸር ህዝቢ ናብ ጐደናታት ወጺኡ ተዓዚብዎ።

ብናይ’ቲ እዋን ደርፍታትን ሙዚቃን ከምኡ’ውን ትረኻ ዝተደገፈ ምርኢት፡ ብመልክዕ ቅርጻታት፡ ኣሳእል፡ ተዋስኦታት፡ መሳርሒታትን ንብረትን ብምቕራቡ – ኣዝዩ መሳጢ ምንባሩ ዝጠቐሱ ተዓዘብቲን ኣዳለውትን፡ ከም’ዚ ዝበለ ምርኢት ኣብ ምውርራስ ታሪኽ ብቐሊል ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ፡ ዓመት መጸ ዓቢ ግምት ክወሃቦ ኣዘኻኺሮም።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1977 ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባኤ፡ ኣብ ደጀን ዝነጥፋ 11 ክፍልታት ክምስረታ ከምዝወሰነ፡ እዘን ክፍልታት ድማ ነቲ ኣብ ቅድመ ግንባር፡ ድሕሪ መስመር ጸላኢን ካልእ ቦታታትን ዝነበረ ኣሃዱታት ብዝገበርኦ ደገፍ፡ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ዓቢ ተራ ከምእተጻወታ ይፍለጥ።

Categories