ዝኽሪ መበል 27 ዓመት ናይ’ታ ርእሰ ሃገራዊ በዓላትና ዝኾነት ናጽነት፡ ብደረጃ ዞባ ዓንሰባ ብ23 ግንቦት ብዓቢ ድምቀት ተጸምቢሉ።

ኣብ ስታድዩም ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ካብ ጽባሕ ሓርነት፡ ንርሑቕ ገጠራት ቀዳምነት ዝሃበ፡ ብቐንዱ ኣብ ምምላእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ትሕተ-ቅርጽን ዘተኰረ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስራሓት ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ከምእተሰላሰለ፡ እዚ ድማ ኣብ ምምሕያሽን ምምዕባልን መነባብሮ ህዝቢ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ድሕሪ ምብራህ፡ ዕለተ ናጽነት – ተሪፉ ንዘሎ ጒዕዞ ልምዓት ብኣድማዕነት ንምዕማም፡ ብውፉይ ዕዮ ናብ ራእይና ክንምርሽ እተዘኻኽረና ኣጋጣሚ ምዃና ኣገንዚቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቦ-መንበር ሽማግለ በዓላት ዞባ ዓንሰባን ኣቶ ስራጅ ሓጂ እውን፡ 24 ግንቦት – ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ሓርነታዊ ቃልሲ ብረዚን መስዋእቲ ናብ ፍጻመ ዝበጽሓላ ብምዃና፡ ነዚ ብርሃን ንምምጻእ ናይ ዝወደቑ ጀጋኑ ሕድሪ ንምትግባር መብጽዓና እነሕድሰላ ክብርቲ ዕለት ከምዝኾነት ገሊጹ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንናጽነትን ንስለኣ ዝተኸፍለ መስዋእትን፡ ከምኡ’ውን ንመድረኽ ምውሓስ ልኡላውነትን መደባት ልምዓትን ዘንጸባርቑ ስነ-ጥበባዊ መደባት ቀሪቦም።

ጽምብል ናጽነት፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ናይ’ቲ ዞባ እውን፡ ካብ 14 ግንቦት ጀሚሩ ብዓቢ ድምቀት ክጽምበል ቀንዩ እዩ።

ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ንምስጋር ብሓባር ዝተቓለሰን ዋጋ ዝኸፈለን ህዝቢ፡ ንበዓል ናጽነቱ ብሓባር ምጽምባሉን መብጽዓኡ ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት ምሕዳሱን፡ ንብሩህ መጻኢ ሃገርን ህዝብን ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም።

Categories