ወግዓዊ ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኣብ ዝተኣንገደ ስነ- ስርዓት፡ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ።

ኮሚሽነር ስፖርትን ባህልን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብስም ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ጽምብል ናጽነት ንምድማቕ ብውህደት ሓያሎ ኣካላትን ህዝብን ዝተዳለወ መደባት፡ ንመንነትና፡ ባህልና፡ ጽንዓትና፡ ናይ ሓርበኝነት ታሪኽናን ሓድነትናን ብዝበለጸ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ግብራውነቱ ንምርግጋጽ ንዝጸዓሩን ብግብሪ ይኹን ብሓሳብ ኣበርክቶ ንዝገበሩን ምስጋና ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ ድማ፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት፡ ርዝነትን ክብሪን ሓርነትን ናጽነትን እናዓዘዘ፡ ትርጒም ልዑላውነት ከኣ እናተዀልዐ ምምጽኡ፡ ዕግበት የትርፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጽንዓት’ውን ዝድርዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ህዱእ ናይ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ጐደቦ እትነብር፡ ውህድቲ ናይ ዜግነት ሃገር ምህናጽ፡ ሰናይ ባዕላዊ ድሌት ጥራይ ዘይኰነ፡ ክቡር ዋጋን ዕድልን ዝተኸፍሎ ሕድሪ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

“ዓለማውን ዞባውን ኣጀንዳታት ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዕዞና መጠናዊ ጽልዋ ዘለዎም ረቛሒታት’ዮም” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዚ ሎሚ ብዓለም ደረጃን ኣብ ዞባናን ኪርበጽ ንርእዮ ዘሎና ምዕባሌታት፡ ንመጻኢ ጉዕዞና ኣመታት ስለዘለዎ፡ ብዕቱብ ክንከታተሎን ክንርድኦን፡ ብኡ’ቢሉ ኸኣ ኣብ መጻኢ መደባትና ኪህልዎ ዝኽእል መጠን ጽልዋ ብምግምጋም፡ ናይ መጻኢ ሲናርዮታት ብጥንቃቐ ተገንዚብና፡ ናይ ጉዕዞና መርሓ-ጐደናታት ክንቅይስን ኣብ ኩሉ ተኽእሎታት ብንጥፈት ክንዋሳእን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። (ምሉእ ትሕዝቶ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ገጽ 2 ረአ)

እቲ ንክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ወግዓዊ ጽምብል፡ ናጽነት ንዘምጽኡ ተጋደልቲ፡ ልዑላውነት ንዘውሓሱ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ሓይሊን ድርዒን መደባት ልምዓትን መኸተን ንዝዀኑ ሰራዊት ሕድሪ – ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝውክል ምርኢት ወተሃደራዊ ሰልፊ ዝተሰነየ ነይሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያንን ኣማኢት ተመሃሮን ዘቕረብዎ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት፡ ነቲ ጽምብል ተወሳኺ ድምቀት ሂብዎ።

Categories