መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ብደረጃ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ “ራእይ ብዕዮ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ትማሊ 23 ግንቦት ብምዕሩግ ኣገባብ ተጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ምብራቓዊ ግንባርን ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ፡ ኣዛዚ ኣሃዱ ሜካናይዝድ ብሪጋደር ጀነራል ተኪኤ ርእሶም ዝርከብዎም ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ንቃልሲ ንናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ጽንኩርነቱን፡ ከምኡ’ውን መደባት ልምዓትን ገስጋሱን ዝገልጽ ስነ-ጥበባውን ወተሃደራውን መደባት ንምርኢት ቀሪቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ 24 ግንቦት – ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሐ መግዛእትን ጭኰናን ዘብቃዓላ፡ ድምጺ ሓርነት ዝተበሰረላ፡ ኤርትራዊ መንነት ዝተዀለዓላን ዕለት ምዃና ጠቒሱ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተዀስኰሱ ክብርታት ድሕሪ ናጽነት’ውን ስለዝቐጸሉ፡ መደባት መኸተን ልምዓትን ኣብ ዘተኣማምን መድረኽ በጺሑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሓዋ መሓመድ ብወገና፡ በዓል ናጽነት፡ በብከባቢኡ ብኮማዊ ዳሳት፡ ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ መደባት ዋርሳ፡ ትምህርታውን ስፖርታውን ውድድራትን ካልእ መሰናድኦታትን፡ ብልዑል ህዝባዊ ተሳትፎ ይጽምበል ከምዘሎ ጠቒሳ፡ ንተራን ኣበርክቶን ኣካላት ዞባን ምብራቓዊ ግንባርን ኣብ ምዕዋት’ቲ መደባት ኣመስጊና።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መደባት በዓል ናጽነት፡ ኣብ ቀጽሪ ራስ- ጎንቦ ብዝካየዱ ዝተፈላለዩ መደባት፡ ክሳብ 26 ግንቦት ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories