ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ መራሕቲ ኩባ፡ ስዊዘርላንድ፡ ፈረንሳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ የመን፡ ሊብያን ናይጀርያን፡ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኩባ ሚጉዌል ድያዝ-ካነል፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ስዊስ ኣልያን በርሰት፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ፈረንሳ ኤማንዌል ማክሮን፡ ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ የመን ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ መሪሕነት መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ሊብያ ፋኢዝ ሙስጣፋ ኣ’ሰራጅ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ርእሰ- ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ብስሞምን ብስም ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰናይ ምንዮት ገሊጾም።

እቶም መራሕቲ ወሲኾም፡ ኣብ መንጎ ሃገራቶምን ኤርትራን ዘሎ ምሕዝነትን ሓባራዊ ምትእምማንን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ዝያዳ ክዓምቚን ክድልድልን ዘለዎም ድሌትን ቅሩብነትን ኣረጋጊጾም።

Categories