ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን፡ ብ20 ግንቦት ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ መጀመርያ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተቓለሰ፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣባል ኩባንያ ህንጻ ሙሳ-ዓሊ ብምዃን ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸውዓተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ ሰሉስ 22 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ኩባንያ ህንጻ ሙሳ ዓሊ ብመስዋእቲ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

 

Categories