ኣብ ኒው-ኦርሊንስን ኮሎምቦስን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፓሪስ – ፈረንሳ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዱባይን ሰሜን ኢማራትን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብድምቀት ጸምቢሎም።

ተቐማጦ ኮሎምቦስ – ኦሃዮ ዘካየድዎ ጽምብል፡ ንባህሊ ሕብረተሰብና ብሓፈሻ፡ ብዙሕነትናን ኣብኡ ዘሎ ጽባቐን ድማ ብፍላይ ዘጒልሕ ኮይኑ፡ ናብ ተካእቲ ወለዶታት ብዘሰጋግር ኣገባብ ዝማዕረገ ነይሩ።

ነበርቲ ከተማ ኒውኦርሊንስን ከባቢኣን – ሊዊዝያና ድማ፡ ምስ ሃገሮም ንዘለዎም ምትእስሳር ብዘንጸባርቕ ኣገባብ ኣብ ዘካየድዎ ጽምብል፡ ከንቲባ ናይ’ታ ከተማ ሚስ ላቶያ ካንትረል፡ 24 ግንቦት ዓመት- መጸ “ዕለተ ናጽነት ኤርትራ” ተባሂላ ክትዝከር ኣዊጃ።

ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ብቐንዱ ኣብ ተካእቲ ወለዶታት ዘተኰረ መደባት ጽምብል ናጽነት፡ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ናጽነት ክዉን ዝገበረ ሳላ ጽኑዕ ሓድነቱ፡ ጽንዓቱን ሓያል መኸተኡን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ክብርታት’ዚ ኣብ ምስማር ብልጽግቲ ሃገር’ውን ተኣምር ከምዝሰርሕ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ ዱበይን ሰሜን ኢማራትን እውን፡ ንዕለተ ናጽነት ሃገሮም፡ ንኤርትራዊ ክብሪታትን ሓበንን ብዝገልጹ መደባት ጸምቢሎምዋ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቶ ዑስማን መሓመድ-ዑመር፡ ናጽነት ኤርትራ ፍረ ስሙርን ውፉይን ቃልሲ ሓፋሽ ከምዝኾነት ጠቒሱ፡ ናጽነት ዘረጋገጸን ዘውሓሰን ህዝቢ፡ ሃገራዊ ልምዓት ንምስማር ዝእግሞ ከምዘየለ ኣስሚሩሉ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ዱበይን ሰሜን ኢማራትን ኣቶ ዓብደልቃድር መሓመድ-ስዒድ ብወገኑ፡ ማሕበረ- ኮሞም ጥርናፈኡ ኣሐዪሉ ተሳትፎኡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ንኸዕዝዝ ብኣተኲሮ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories