ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ብደረጃ ዞባ – 20 ግንቦት ኣብ ከተማ ባረንቱ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ብርክት ዝበለ ህዝብን ዝተረኽቡሉ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ- ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ናጽነት ኤርትራ ንምጭባጥን ልኡላውነታ ንምዕቃብን ዝተኻየደ ረዚን ዋጋ ዝሓተተ ቃልስን መኸተን፡ መርኣያ ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ዘለዎ ክብሪን ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪን ምዃኑ ገሊጹ።

ናጽነት ብስራሕ ንምዂላዕ – ብሓድሽ ኣወዳድባ ተበጋጊሱ ዘሎ መደባት ልምዓትን መኸተን ብዝለዓለ ናህሪ ንኽስጒም፡ ህዝቢ በብከባቢኡ ውዳበታቱ ብምሕያል ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ይስራሓሉ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ፍስሃየ፡ ዛጊት ተራእዩ ዘሎ ገስጋስ ጽቡቕ ኣንፈት ሂቡ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣቦ-መንበር ሽማግለ በዓላት ዞባ ኣቶ እድሪስ ሳልሕ ብወገኑ፡ እዚ ከም ኣካል ክብሪታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ተዀስኲሱ ዘሎ ምምዕራግ ሃገራዊ ጽምብላት – ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ዘንጸባርቕ ረዚን መልእኽቲ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት የመሓላልፍ ብምህላዉ፡ ዘቕስን ስራሕ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጽምብል፡ ጉጅለ ባህሊ ያታ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዘቕረበቶ ንናጽነትን ክብራን ዘንጸባርቕ – ብትልሂት ዝተሰነየ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት፡ ምዕሩግ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ምርኢት ባንድ ምረሻ፡ ምንቅስቓስ ተመሃሮምን ሙዚቃዊ ድራማን ደሚቑ ነይሩ።

መደባት ጽምብል ናጽነት ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብደረጃ ምምሕዳራት ከባብን ንኡሳን ዞባታትን ብ10 ግንቦት እዩ ጀሚሩ።

Categories