መራሕቲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ሪፓብሊክ ኣልጀርያ፡ ሪፓብሊክ ክሮኤሽያን ሽወደንን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና – ሺ ጂን ፒንግ፡ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብዱልዓዚዝ ቡተፍሊቓ፡ ፕረዚደንት ክሮኤሽያ ኮሊንዳ ግራባር-ኪታሮቪችን ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታቭን ብስሞምን ብስም ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ራህዋን ብልጽግናን ተመንዮም።

ፕረዚደንት ዓብዱልዓዚዝ ቡተፍሊቓ ወሲኹ፡ ሕውነታዊ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ኣልጀርያን ኤርትራን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንምድንፋዕ ዘለዎ ሰናይ ድሌትን ቅሩብነትን ገሊጹ።

Categories