ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት፡ ጐድኒ- ጐድኒ’ቲ ዘሰላስሎ ዘሎ ኣብ ልምዓት መስኖ ዘተኰረ ስርሓት፡ ኣብ ምግራብ እውን ልዑል ጠመተ ሂቡ ይነጥፍ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ ታደሰ ፍስሃየ ሓቢሩ።

እቲ ብናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ክለምዕ ተወጢኑ ዘሎ ሰፊሕ መሬት፡ ንጸሓይን ደረቕ ንፋስን ዝተቓልዐ ብምዃኑ፡ ከባቢኡ ምግራብ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣቶ ታደሰ፡ እዚ መደብ’ዚ ዓቢ ቈላሕታ ተዋሂብዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዛጊት 30 ሽሕ ፈልሲ ኣግራብ ተተኺሉ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ ንብምልኡ ብሎካት ናይቲ ፕሮጀክት ዝኽልል ናይ ምግራብ መደብ ክሰላሰል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ፡ ተጠቀምቲ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ክኾኑ ብዝወጸ መደብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣስታት 500 ሓረስቶት ምሉእ ኣገልግሎት ማሕረስን ምስኡ ዝኸይድ ኣገልግሎታትን ረኺቦም፡ ከከም ጻዕሮም ምህርትን ተረፍ ምህርትን ከም ዝሓፈሱ እውን ኣረዲኡ።

ኣቶ ታደሰ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ፕሮጀክት ዘለዎ ጸጋታት ማይን መሬትን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብደረጃ ሃገር ዝጥመት ስትራተጂካዊ ውጥን ልምዓት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ናይ ምግራብ ስርሓት ብዕቱብ ክድፋኣሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories