ዑረት ንምክልኻል፡ ጠንቂ ዑረት ዝኾኑ ሕማማት ንምፍዋስ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ምስ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ኣልበሳር ብምትሕብባር፡ ኣብ ሆስፒታል ከረን 410 ዜጋታት መብጣሕቲ ሓበላ ተገይሩሎም።

ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ከረን ዶክተር ያፌት ሃይለሚካኤል፡ እቲ ምስ ጉጅለ ሓካይም ኣልበሰር ብምትሕብባር ብዘበናዊ ኣገባብ ጨረር ተሰንዩ ዝተኻየደ መብጣሕቲ ሓበላ፡ ተርእዮ’ቲ ሕማም ብኣጋ ንምቚጻዩ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ሆስፒታል ከረን ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ዓይኒን ክኢላ መብጣሕትን ካሕሳይ ስዩም ብወገኑ፡ ሕሙማት ኣብ ግዜኦም ስለዝተረኽቡን ዘድሊ ጠለባት ስለዝተማልአን፡ እቲ መደብ ዕዉት ምንባሩ ኣብሪሁ።

ሓበላ፡ ብዕድመ፡ ማህረምቲን ካልእ ምኽንያታትን ከምዝስዕብ ዝጠቐሰ ሓኪም ካሕሳይ፡ ዜጋታት ብሓፈሻ ሕሙማት ጸቕጢ ደምን ሽኮርን ድማ ብፍላይ ቀጻሊ መርመራታት ክገብሩ ተላብዩ።

ካብ 3 ክሳብ 6 ግንቦት ኣብ ከተማ ባጽዕ – ሆስፒታል ግራር ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ መደብ፡ ን325 ዜጋታት ዕዉት መብጣሕቲ ዓይኒ ከምእተኻየደ ይዝከር።

Categories