ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን፡ መደባት ጽምብል ናጽነት ብልዑል ህዝባዊ ተሳትፎን ዋንነትን፡ ብደረጃ ምምሕዳራት ከባብን ንኡሳን ዞባታትን ክጽምበል ከምዝጀመረ፡ ወከልቲ ኤሪና ሓቢሮም።

ብ14 ግንቦት ዝጀመረን ክሳብ 26 ግንቦት ዝቕጽልን ጽምብል ናጽነት ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ስነ-ጥበባውን ባህላውን መደባት፡ ሰልፊ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኮማዊ ዳሳት፡ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ከምኡ’ውን ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ ሰሚናራትን መደባት ዋርሳን ከም ዘጠቓልል፡ ጸሓፊ ኮሚቴ በዓል ናጽነት ናይቲ ዞባ መንእሰይ ኢብራሂም ሳልሕ ገሊጹ።

ብመሳሳሊ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡሳን ዞባታት፡ ካብ 13 ግንቦት ኣትሒዘን ክጽምብላ ጀሚረን ምህላወን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላትን ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ስራጅ ሓጂ፡ እቲ ምድላዋት ብሰፊሕ ኮማዊ ሱታፌ ካብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ከምእተኻየደ ብምሕባር፡ ኮማዊ ዳሳት፡ ስፖርታውን ባህላውን መደባት፡ ምሽላም ጐደናታትን ጽሬት ከተማን፡ ከምዘጠቓልል ኣብሪሁ።

ኣቶ ስራጅ፡ ነቲ ብደረጃ ዞባ ዓንሰባ ብ23 ግንቦት ዝካየድ ጽምብል እውን፡ ፍሉይ ምድላዋት ተገይሩሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories