ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተኣልዩ መንእሰያት ሞያ ቀሲሞም መነባብሮኦም ንኽመርሑ ብዘውጸኦ መደብ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለየ ሞያታት ዘሰልጠኖም 82 መንእሰያት ኣመሪቑ።

እቲ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝተሰነየ ስልጠና፡ ምግጥጣምን ምዝርጋሕን ሻንብቆታት ጽሩይ ማይን ረሳሕ ፈሳስን፡ ምስራሕን ምጽጋንን ሰኪዐት ዓሳ፡ ምዝርጋሕ ኤለክትሪክን ትምህርቲ ኮምፕዩተርን ዘጠቓለለ እዩ።

ርእሰ-መምህር ማእከል መባእታዊ ሞያዊ ትምህርቲ ባጽዕ መምህር ሱሌማን ጃብር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ዝሰልጠኑ 60 መንእሰያት ኣብ ስራሕ ከም እተዋፈሩን ዝምስገን ኣበርክቶ ይገብሩ ምህላዎምን ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ ተወሰኽቲ ዓውድታት ንምትእትታው መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ብወገኑ፡ እቲ ብዞባ ደረጃ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝተኸፍተ ማእከል ሞያዊ ስልጠና፡ መንእሰያት ምስ ዝንባለታቶም ዝኸይድን ዕድል ስራሕ ዝረኽቡሉን ሞያዊ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ዘተባብዕ ስራሕ ይዓምም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ድማ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሞያዊ ስልጠናታት፡ ምምሕዳር ዞባ ቀዳምነት ሂቡ ካብ ዝሰርሓሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ሞያ ብስራሕ ከማዕብልዎ ኣዘኻኺሩ።

Categories