ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ብሃማደኤ ዝተወደበ ምርኢት ቅብኣ፡ ቅርጻ- ቅርጺ፡ ከምኡ’ውን ምህዞን ሰንዓን፡ ትማሊ 18 ግንቦት ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ናይ’ቲ ማሕበር፡ ብጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ ተኸፊቱ።

ሓላፊት ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ሃማደኤ መምህር ዛይድ መስፍን ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ምርኢት ኣካል ናይ’ቲ በዓል ናጽነት ንምድማቕን ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓል- ኣንስተይቲ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ መዳይ ንምጒላሕን ከምዝኾነ ገሊጻ።

መምህር ዛይድ ኣስዒባ፡ እቲ ብመንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ስነ- ጥበባውያን ዝተዳለወ ምርኢት፡ ተሳታፍነተን ኣብ’ቶም ዓውድታት ንምድራኽ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሃ።

እቲ ምርኢት፡ ክሳብ 24 ግንቦት ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ከምዝቕኒ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ብምኽንያት በዓል ናጽነት፡ ኣብ ዞባ ማእከል – ምምሕዳራት ከባቢ ቊሸትን ዳዕሮ-ጳውሎስን፡ ንቘልዑ ዘዘናግዕ መደባት ቀሪቡ።

እቲ ብጉጅለ “መሰረት ህጻናት” ዝቐረበ ምርኢት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንበዓል ናጽነት ናይ ምድማቕ ዕላማኡ፡ ህጻናት ኣብ ባህሊ፡ ያታ፡ ክብሪታትን ታሪኽን ሕብረተሰቦም ዘለዎም ኣፍልጦ ንምዕባይ፡ ብዝርድኦም ኣገባብን ቋንቋን ዝተዳለወ እዩ።

Categories