ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ቱርኪ – ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋንን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማላዊ – ፕሮፌሰር ፒተር ሙታሪካን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ፡ ብስሞምን ብስም ህዝብታቶምን ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ “እንቋዕ ናብ’ዚ ክቡር ዕለተ-ናጽነትኩም ኣብቃዓኩም” ድሕሪ ምባል፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም። ሕውነታዊ ዝምድናታት ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምምዕባልን ንምድንፋዕን ዘለዎም ቅሩብነት ድማ ኣረጋጊጾም።

Categories