ማእከል ምርምርን ስነዳን ህግደፍ፡ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋትን ብራናታትን ኣብ ምዕቃብ ዘሎ ንቕሓት ንምብራኽን፡ ን17 ዓመታት ዝተኻየደ ንጥፈታት ንምግምጋምን፡ ብ10 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ዓውደ-ዘተ ወዲቡ።

ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ማእከል ምርምርን ስነዳን፡ ቅርስታት ብዘመናዊ መንገዲ ዝዕቀቡሉ መንገዲ ንምፍጣር፡ ምስ ኣብያተ- ጽሑፋትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ቀጻሊ ርክባት ከምዘካይድ ጠቒሱ፡ ጽሑፋትና ኣካል ሃገራዊ ቅርስታትናን መግለጺ ኤርትራዊ መንነትን ስለዝኾኑ፡ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ብግቡእ ክጽንዑን ክዕቀቡን ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦም ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊት ማእከል ምርምርን ስነዳን ወይዘሮ ኣዜብ ተወልደ፡ ኣብ ዕቃበን ምርምርን ዕቑር ትሕዝቶ ኢደ-ጽሑፋትን ብራናታትን ንዝተኻየደ ንጥፈታትን መጽናዕትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ቅርሲ ናይ ሃገር እምበር ናይ ውልቂ ስለዘይኮነ፡ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምክንኻኑን ምዕቃቡን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚባ።

ኣብ ማእከል ምርምርን ስነዳን ሓላፊ ሰነዳት ቋንቋ ዓረብ ኣቶ ዮሱፍ እድሪስ ድማ፡ ንእስላማዊ ኢደ-ጽሑፋት ብዝምልከት ካብ 2000 ክሳብ 2017 ኣብ ጥንታዊ መሳጊድን መቓብራትን ንዝተኻየደ ዳህሳስን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታትን ዝምልከት ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ፡ ንምዕቃቡ ዝያዳ ስራሕ ከምዝሓትት ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ዕቃበን ምርምርን ዕቑር ትሕዝቶ ኢደ-ጽሑፋትን ብራናታትን፡ ኣብ ዳህሳስን ዕቃበን እስላማዊ ኢደ-ጽሑፋት ዝተኻየደ ንጥፈታት፡ ዕማም ምስኣል ብራናታትን ምድላው መርሓን፡ ናይ ምርምር ስራሕን ምእካብ ዘይተመዝገበ ኢደ-ጽሑፋትን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ብሰፊሑ ተዘትዩሎም።

ተሳተፍቲ፡ እቲ ዘተ ኣብ መጻኢ ንዘሰላስልዎ ስራሕ ሓጋዚ ምዃኑ ብምምልካት፡ ጽሑፋትናን ብራናታትናን ንሃገርናን መንነትናን ንዓለም እነላልየሉ ቅርስታት ስለዝኾኑ፡ ኣብ ዳህሳሶምን ዕቃበኦምን ብዝለዓለ ክስራሕ፡ ኣብ ገዳማትን ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ጽሑፋት ኣብ ዓለም ንኽፍለጡ ድማ ዝግባእ ጻዕሪን ምትሕብባርን ክካየድ ተማሕጺኖም።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ-ዘተ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወከልቲ ዞባታት፡ ውልቀ-ሰባትን ክኢላታት ዕቃበ ቅርስን ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories