ኣብዚ ዓመት’ዚ ብምውህሃድ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲን እዚ ምዕራብ – ሰሜን ዶባትን፡ ኣብ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ከርከበት ዝተጀመረ ስሩዕ ትምህርታዊ ንጥፈታት፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ብ5 ግንቦት ኣብ ኣግማይት ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነ- ስርዓት ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ኣግማይት ሼኽ ዑመር መሓመድ ጣህር ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ እቲ ብሰንኪ ዘለዎ ራሕቅን ሰብኽ-ሳግማዊ መነባብሮን ካብ ትምህርቲ ተገሊሉ ዝጸንሐ ከባቢታት ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ዝተኻየደ ውሁድ ጻዕሪ፡ ፍረ ክህብ ብምብቅዑ ብስም ህዝቢ’ቲ ከባቢ ድሕሪ ምምስጋን፡ ብምጡን ዓቕሚ ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ብዝሓየለን ዝለዓለን ደረጃ ክቕጽል ተላብዮም።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ብርሃነ ክፍለ ድማ፡ ተበጋጊሱ ዘሎ ናይ ትምህርቲ መደብ ድልዱል ሰረት ሒዙ ንኽዕንብብ፡ ኩለን ኣካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብራሉ ብምትሕስሳብ፡ ህዝቢ – ጾታ ከይፈለየ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ጸዊዑ።

እተን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ካብ ከተማ ባረንቱ ልዕሊ 300 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜን ርሒቐን ዝርከባ ኮይነን፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ህዝቢ ይነብረን።

Categories