ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣብ ገስጋስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብሓፈሻ – ኣብ ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ዝዘተየ ርክብ ተኻዪዱ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋጼን ግርማይ፡ መንግስቲ ብዝገበሮ ገዚፍ ወፍሪ፡ ሎሚ ተመሃሮ ርሑቕ ከይከዱ ኣብ ቀረባኦም ኣብያተ-ትምህርቲ ይረኽቡ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝምስገን፡ ኣብ ገለ ግና ውሁድ ስራሕ ዘድልዮ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ህዝቢ ደቁ ናብ ትካላት ትምህርቲ ክልእኽ፡ ከምኡ’ውን መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ዝጸልዉ ዘለዉ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበር ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ኣሃዱ ካልኣይ ደረጃ መምህር ተኽለሰንበት ዘርኣይ፡ ምርሕሓቕ ዓድታት፡ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ፡ ምድንጓያትን ምቊራጽን፡ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ብምሕባር፡ ፍታሕ ከናድዩሎም ተላብዩ።

ተመሳሳሊ ርክባት ኣብ 8 ንኡሳን ዞባታት ከምእተኻየደ፡ ካብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

Categories