ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ትካላት ጥዕና ምሕድግ ኣብ ዝበለ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ተመሃሮ፡ ህጹጽ ረድኤት ንክረኽቡ ዝዓለመ ን30 መማህራን ናይ ሕክምና ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ካብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ቅሮራን ኣዶብሓን ንዝተዋጽኡ መማህራን ዝተዋህበ ስልጠና፡ ብቐንዱ – ህይወት ንምድሓን ክውሰድ ኣብ ዝግብኦ ስጉምትን ኣገባባትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣተሓሕዛ ሕሙም ዘተኰረ እዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ረሺድ መሓመድ-ዑስማን፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስልጠና፡ ነፍሲ-ወከፍ ቤት-ትምህርቲ መሰረታዊ መሳርሒታት ሕክምናን መድሃኒትን ከምእተማልኣላ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ እዋንዚ፡ ብደረጃ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ 120 መማህራን ተመሳሳሊ ስልጠና ከምዝቐሰሙ ዝጠቐሰ መምህር ረሺድ፡ ዝተዋህቦም ንብረት ብጥንቃቐ ክሕዝዎ ተላብዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንሓለፍቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ኣዶብሓን ቅሮራን፡ ኣብ ምሕያል ትምህርቲ ዘተኰረ ሰሚናር ከምእተኻየደ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories