ኤርትራ፡ ብኣምባሳደራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር ተወኪላ፡ ብ3ን 4ን ግንቦት ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተቓንዐ ዋዕላ ቊጠባዊ ልምዓት ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ተሳቲፋ።

እቲ ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ዝተኸፍተ ዋዕላ፡ ረብሓ ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ዘረጋግጽ ወፍሪ ቊጠባዊ ልምዓት ንምዕዛዝ – ኣብ ዝተኻየዱ ዋዕላታት፡ ወፍርታትን ገስጋሶምን ዘተኰረ ነይሩ።

ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ቊጠባዊ ዋዕላ፡ ናይ ኣስታት 100 ኩባንያታት ጃፓን ፕሮጀክትታት፡ ንምርኢት ቀሪቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ብቐንዱ ኣብ ግጥማት ኲዕሶ እግሪ ዘተኰረ ስፖርታዊ መደባት ከምዝጀመሩ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

Categories