ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ዓመተ-ትምህርቲ 2016/2017 ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገቡ 228 ተመሃሮ፡ ብ4 ግንቦት ኣብ መንደፈራ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዓዲሉ።

እቲ ዕላማ፡ ጻዕራማት ተመሃሮ ብምትብባዕ ናብቶም ካልኦት ቅዱስ ቅንእን ናይ ተወዳዳርነት መንፈስን ንምስራጽ ምዃኑ ዝሓበረ – ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ዓመታዊ ዝያዳ ኣወዳዳሪ ንክኸውን ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ እውን፡ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘባራትዕ፡ ንዝጸዓሩ ተመሃሮ፡ መማህራንን ወለድን ድማ ሞሳ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ቅድሚ 4 ዓመት ዝጀመረ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተመሃሮ ዞባ ደቡብ ዝዋሃብ ኮይኑ፡ ዛጊት 773 ተመሃሮ ተሸሊሞም ኣለዉ።

ኣብቲ ዕለት’ቲ፡ ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ናይ’ቲ ዞባ – ኣብ ትምህርቶምን ንጥፈታት ሃማመተኤን ኣብነታውያን ንዝኾኑ 25 ጽጉማት ተመሃሮ፡ ዘበናውያን ብሽክለታታት ከምእተዓደለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories