ብ25 ሚያዝያ ካብ በረኽቲ ጎቦታት ዝወረደ ሓያል ውሕጅ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ንዝርከብ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ከምዘዕነወ፡ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

በቲ ውሕጅ፡ ልዕሊ 3500 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ብኸቢድ ከምዝተሃስየ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ እቲ ዕንወት ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ መንሸብ፡ ቲሉክ፡ ገድገድ፡ ወቒሮ፡ ላባን ካልእ ከባቢታትን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ፍግረ-መሬት ንምፍዋስ ብሓረስቶት ክሰላሰል ዝጸንሐ ሓመድን ማይን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታት’ውን ከምእተሃስየ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣቦ-መንበር ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ መሓመድ-ኖር ሙሳ ሽሩፍ፡ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ከቢድ’ኳ እንተኾነ፡ ሓረስቶት በቲ ክስተት ተስፋ ከይቆረጹ፡ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ግራውቶም ክጽግኑ ተበግሶታት ይወስዱ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ደገፍ ዝምልከቶም ኣካላት ከይፍለዮም ተላብዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሕጅ ዕንወት ካብ ዝወረዶ ዓግማትን ጀሪፋትን፡ እቲ 4356 ሜትሮ ብሓረስቶት፡ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ኣስታት 14 ሽሕ ሜትሮ ድማ መንግስቲ ብዝገበሮ ናይ ማሽነሪ ሓገዝ ከምእተጸገነ ይፍለጥ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ብክራማት ከበሳን ባሕሪን ዝለምዕ ልዕሊ 19 ሽሕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣሎ።

***

Categories